ኣልበሽር ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ተኸሲሱ

Radio Erena: 21 April 2019

ካብ ስልጣኑ ተገሊፉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ክሲ ተመስሪቱሉ።

ማዕከናት ዜና ካብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዘመሓላለፎኦ ዜና፣ ኣባላት ጸጥታን ሰራዊትን ኣብ መንበሪ ገዛ ኣልበሽር ድሕሪ ዘካየዱዎ ተፍትሽ ልዕሊ 6 ሚልዮን ዩሮ ጥረ ገንዘብ ከምዝረኸቡ ኣፍሊጠን።

ብትእዛዝ’ቲ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ቆንስል ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ እቲ ተፍትሽ፣ ልዕሊ 5 ቢልዮን ፓውንድ ሱዳን እውን ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ሱዳን፣ ኣልበሽር ነዚ ብሚልዮናት ዶላራት ተገሚቱ ዘሎ ጥረ ገንዘብ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከቐምጦ ዝኾነ ወግዓዊ ሰነድ ስለዘይብሉ፣ ብጉቦን ምጥፍፋእን ከሲሱዎ ከምዘሎ’ዩ ዝገልጽ።

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ሱዳን፣ እቲ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛ ኣልበሽር ዝካየድ ተፍትሽ ክቕጽል ሙዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ድሮ ተሃጊሩ ዘሎ ልዕሊ 6 ሚልዮን ዩሮ፣ 351 ሽሕ ዶላርን 5 ቢልዮን ፓውንድ ሱዳንን ጥረ ገንዘብ ናብ ማእከላይ ባንክ ኣታዊ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ብልሽውና ንምቁጽጻር፣ ኣብ ዘበነ ኣልበሽር ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝነበሩ መርመራ ከካዪደሎም ሙዃኑ ኣቐድም ኣቢሉ ከምዝገለጸ ይዝከር።

እቲ ቆንስል፣ ፕረዚደንት ነበር ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ፈጺሙዎ ብዝበሃል ህልቂት ንጹሃት ዜጋታት ፍርዱ ክቕበል፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከምዘየረክቦ እኳ እንተፍለጠ፣ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ዝካየድ መስርሕ ፍርዲ ብኩሉ ፈጺሙዎ ዝበሃል ገበናት ክሲ ክምስረተሉ ምዃኑ የፍልጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0