ብስዑዲ ዓረብ ተወዲቡ ክካየድ ዝጸንሐ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ 21 ሃገራት ተዛዚሙ

ብስዑዲ ዓረብ ተወዲቡ ክካየድ ዝጸንሐ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ 21 ሃገራት ተዛዚሙ

Radio Erena: 11 March 2016

Mil Saud

ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደበ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ 21 ሃገራት ትማሊ ሓሙስ 10 መጋቢት ተዛዚሙ።

እዚ ኣባላት ናይቲ ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝኾና ሃገራት ኣስታት ሓደ ወርሒ ክሳተፍኦ ዝጸንሓ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብወግዒ ኣብ ዝተዛዘመሉ፣ ንጉስ ሳልማንን መራሕቲ ግብጺ፣ ኩዌት፣ ቀጠር፣ ሰኔጋል፣ ቻድን ካልኦት ተረኺቦም።

ኣብዚ ናይ ሰሜን ነጕዲ ተሰምዩ፣ ምስ ዒራቕ ኣብ ዘዳውብ ሰሜናዊ ኪፋል ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ብዘይካ ኤርትራን ሶማልን፣ ብምሉአን ኣባላት እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ዝኾና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሳቲፈን’የን።

 

ኣባላት እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝኾና ኤርትራን ሶማልን ኣብዚ ብስዑዲ ዓረብ ዝተወደብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ዘይተሳተፋሉ ምኽንያት፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኤን ኣንቢርዎ ብሰንኪ ዘሎ እገዳ ምዃኑ ይንገር።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0