ግብጺ ምስ ሱዳን ኣብ ዶብ ሱዳን 42 ኤርትራውን ስደተኛታት ከምዝቐየደት ተገሊጹ

ግብጺ ምስ ሱዳን ኣብ ዶብ ሱዳን 42 ኤርትራውን ስደተኛታት ከምዝቐየደት ተገሊጹ

Radio Erena: 10 March 2016

Eg Su

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፣ ዜጋታት ኤርትራ’ዮም ዝበልዎም 42 ስደተኛታት ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ከምዝሓዙ ምንጭታት ኤረና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ደቡባዊ ክፋል ግብጺ፣ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ተጻዒኖም ኣብ ከባቢታት ወዲ ሓልፋ ኣብ በረኻ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፣ ጉዳዮም ተጻርዩ ናብ ሱዳን ወይ ከኣ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዝልዓለ ተኽእሎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እቶም ግብጺ “ኤርትራውያን’ዮም፣” እትብሎም ዘላ ስደተኛታት፣ ናብ እስራኤል ዘስግር መንገዲ ብምዕጻው ብገማግም ባሕሪ ግብጺ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሓለኑ ምዃኖም’ዩ ይግመት።

 

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብእትኽተሎ ዘላ ጽኑዕ ፖሊሲታት፣ ዓመተ 2016 ካብ ዝፍልም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኤርትራውያን ከምዘየለዉ፣ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል የመልክት።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0