ብስዑዲ ዓረብ ተቖጺሩ ኣብ ስለያ ክነጥፍ ዝጸንሐ ሰራሕተኛ ትዊተር ነበር፣ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 16 December 2022

ናይ ሊባኖስን ኣመሪካን ዜግነት ዘለዎ፣ ኣሕመድ ኣቡዓሞ ዝተባህለ ሰራሕተኛ ትዊተር ነበር፣ ብስዑዲ ዓረብ ተቖጺሩ ኣብ ስለያ ክነጥፍ ምጽንሑ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ወዲ 44 ዓመት ሰራሕትኛ ትዊተር ነበር፣ ዝነበሮ ናይ ስራሕ ቦታ ተጠቒሙ፣ ዝርዝር መንነት ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝድለዩ ሰባት ናብ ክፍሊ ስለያ እታ ሃገር ክልእኽ ከምዝጸንሐ ተኸሲሱ’ዩ ተኸሲሱ።

ንሱ፣ ንሜድያ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ዝከታተል ኣሃዱ ትዊተር ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፣ ብሓደ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ጸጥታን ንወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ቀረባ ዝኾነን፣ ባድር ኣል ዓስከር ዝተባህለ ስዑዳዊ ተቖጺሩ፣ ክስሊ ምጽንሑ፡ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ካሊፎርንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ አብ ዝሃቦ ብይን ገበነኛ ምዃኑ ወሲኑ።

ኣብ ሕዳር 2014፣ ባድር ኣል ዓስከር ዝርከቦም ስዑዳውያን፣ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ናብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ትዊተር ክበጽሑ ብዝሓተትዎ መሰረት፣ ኣሕመድ ነቲ ዑደት ከምዘዳለወሎም ዝጠቐሰ ጸብጻብ እቲ ቤት ፍርዲ፣ ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ፣ እቲ ናይ ስለያ ስራሕ ከምዝጀመሮ ኣመልኪቱ።

ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝህደኑ ተቓወምቲ ይኹኑ ካልኦት ሰባት፣ ናይ ትዊተር ሕሳቦም ሰርሲሩ፣ ቅሉዕ መንነቶም፣ ዝነብሩሉ ኣድራሻን ካልእ ዘድሊ ዝርዝራትን ከመሓላልፍ ጸኒሑ።

ምስ ባድር ኣል ዓስከር፣ ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ከም ሞሳ 20 ሽሕ ዶላር ዝዋጋኣ ሰዓት ክህቦ እንከሎ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብወገኑ ኣብ ሊባኖስ ብስም ኣቡኡ ናብ ዝተኸፍተ ናይ ባንክ ሕሳቡ ብድምር300 ሽሕ ዶላር ኣሰጋጊርሉ።

ኣሕመድ፣ መንነትን ሓበሬታን ተጠቐምቲ ካብ ትዊተር ሰሪቑ ንስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝሃበሉ ፈላሚት ወርሒ ናይ 2014፣ 100 ሽሕ ዶላር ክሰጋገርሉ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ 200 ሽሕ ድማ ካብቲ ትካል ኣብ 2015 ምስ ተፋነወ’ዩ ተሰጋጊርሉ።

ቀሪብሉ ብዘሎ ክሲ ስለያ ድሮ ገበነኛ ምዃኑ ዝተረጋገጸ ኣሕመድ፣ ምስ ካልእ ናይ ስለያ መሓውራት ‘ውን ርክብ ኔርዎ ከይከውን መርመራን ምጽራይን ክካየደሉ ጸኒሑ።

ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ፡ ንኻልኦት ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ሜድያ ዝሰርሑ ሰባት መጠንቀቕታ መታን ክኸውን፡ እቲ ክሱስ ንልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ክሰር ክከራኸር እኳ እንተጸንሐ፡ ቤት ፍርዲ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፡ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ክእሰር ከምዝወሰነሉ ሮይተር ካብ ኦክላንድ -ካሊፎርንያ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ገሊጹ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0