ሶማልን ኬንያን፣ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ብዝሓየለ ክሰርሓ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 18 December 2022

ሶማልን ኬንያን፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ብሓባር ብዝሓየለ ክሰርሓ ምዃነን ተሰማሚዐን።
ሚኒስተር ምክልኻል ኬንያ ዓደን ዱዋለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገሩ ኣብ ዶባት ኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት መቆጻጸሪ፣ ንጉጅለ ኣልሸባብ ምንቅስቓሱ ከምዝድረት ብምግባሩ፣ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ፕረዚደንታት ኬንያን ሶማልን ድሕሪ ዘካየዱዎ ርክብ፣ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ጸጥታን ሰላምን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክወሓስ፣ ሶማል ክትረጋጋእ ኣለዋ ብምባል፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝግበር ቃልሲ፣ ምስ መንግስቲ ሶማልን ሕብረት ኣፍሪቃን ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ እዩ።
ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ዝርከብ ማያት ናይ ‘ብጽሒተይ እዩ’ ዘንቀሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ኲናት ከየምርሕ ተሰጊኡ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ሓደስቲ ፕረዚደንታት ድሕሪ ምምጽኦም፣ እቲ ዝምድና ዳግም ተጸጊኑ ናብ ብሓባር ምስራሕ ኣብጺሑወን ከምዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።
ን16 ዓመታት ንሶማል ከናውጻ ዝጸንሐ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ንጎረቤት ሃገር ኬንያ እውን ብከቢድ ጸልዩዋ ብምጽንሑ፣ ኬንያ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሰራዊታ ናብ ውሽጢ መሬት ሶማል ብምስዳድ፣ ምስ መንግስቲ ሶማል ክትተሓባበር ጸኒሓ’ያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0