ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተደናጉዩ ዝጸንሐ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ናይል ጀሚሩ

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተደናጉዩ ዝጸንሐ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ናይል ጀሚሩ

Radio Erena: 06 April 2018

ethiopia dam

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተደናጉዩ ዝጸንሐ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ናይል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ከምዝጀመረ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሕመድ ኣቡ ዘይድ ገሊጹ።

ንሱ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ እትሃንጸ ዘላ ዲጋን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋታትን ብዝምልከት ዝተጀመረ ዘተ ንምቕጻሉ ብሮቡዕ 4 ሚያዝያ ናብ ካርቱም ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ሓለፍቲ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን’ውን ኣብቲ ዘተ ከምዝተሳተፉ ጠቒሱ።

እቲ ርክብ ኣብ ወርሒ ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ተቓውሞታትን ናዕብን፣ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ስለዝጸንሐ’ዩ ንክልተ ወርሒ ተደናጉ’ዩ።

ኢትዮጵያ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምምዛዛ፣ እቲ ዝርርብ ብኡ ንብኡ ክቕጽል’ያ ወሲና።

ምህናጽ እቲ ብዕብየቱ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዲጋ ተሃድሶ ናይ ኢትዮጵያ ንረብሓታት ግብጺ ብኣሉታ ክጸልዎ’ዩ ብዝብል ምኽንያት’ዩ መንግስቲ ግብጺ ብትሪ ዝቃወሞ ዘሎ።

እንተኾነ ኢትዮጵያ እቲ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ክውድእ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ዲጋ፣ ንረብሓታት ግብጽን ሱዳንን ብዘይሃሲ ኣገባብ የሰላስሎ ከምዘሎ’ያ ትገልጽ።

ሱዳን’ውን ኣብዚ መዳይ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ብምስምማዕ፣ ካብ ናይል ግብጺ ጥራይ ዘይኮነት ኢትዮጵያን ሱዳንን’ውን ብማዕረ ክረብሓሉ ከምዘለወን ትምጉት።

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ንቁጠባን ምዕባለን እታ ሃገር ስትራቴጃዊ ረብሓ ከምዘለዎ መንግስቲ እታ ሃገር ይጠቅስ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0