ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ መገሻታትን ምትእኽካባትን ኣብ ዝውገደሉ ዘሎ እዋን፣ 3 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ መመረቕታ መራሒ ናሚብያ ምትእኽኻቦም ይንቀፉ

Radio Erena: 23 March 2020

ብሰንኪ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ፣ ካብን ናብን ሃገራት ዝካየድ መገሻታት ደው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፣ ሰለስተ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ መመረቕታ ሓድሽ ፕረዚደንት ናሚብያ ንምስታፍ ናብታ ሃገር ምጋሾም ብትሪ ተነቒፎም።

መራሕቲ ኣንጎላ፣ ቦትስዋናን ዚምባብዌን ብ21 መጋቢት ናብ ናሚብያ ከተማ ዊንዶሆ ተጓዒዞም፣ ኣብ ስነ ስርዓት መመረቕታ ፕረዚደንት ሃግ ጊያንጎብ’ዮም ተሳቲፎም።

ብፍላይ ኣንጎላን ቦትስዋናን፣ ብሰንኪ ስግኣት ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ዶባተን ከምዝዓጸዋ እኳ እንተኣወጃ፣ ንዘውጽአኦ እዋጅ ዝጠሓ ባዕላቶ መራሕተን ኮይኖም ኣለዉ።

ምስፍሕፋሕ ኮረና ቫይረስ ንዓለምና ኣሻቒሉዋ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብደረጃ ዓለም ኣገደስቲ ዝብሃሉ ምትእኽኻባት ክስረዙ እንከለዉ፣ ብኣንጻሩ ንኻልኣይ ግዜኡ ከምዝተዓወተ ዝተነግረሉ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ናሚብያ ጊዮንጎብ፣ ኣብ መመረቕታ ስልጣኑ ኣሽሓት ህዝቢ ምእካቡ፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ስልጣኖም ደኣ’ምበር ድሕነት ህዝቢ ከምዘየገድሶም ዘግሃደ ሓደ ኣብነት’ዩ እናተባህለ ይንቀፍ ኣሎ።

ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ንምግታእ ክውሰድ ካብ ዘለዉ ስጉምታት፣ ምትእክኻብ ህዝቢ ዝዕድም ፍጻሜታት ወይ ኣጋጣሚታት ምውጋድ’ዩ።

መራሕቲ ኬንያን ሶማልያን፣ ከካይድዎ ዝወጠኑ ርክብ ብሰንኪ ስግኣት ኮረና ቫይረስ ከምዝሰረዙ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ’ዩ።

ምስፍሕፋሕ ኮረናቫይረስ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ እታ ኣህጉር ንመኸተ ለበዳ እቲ ቫይረስ ድልውቲ ክትከውን ውድብ ጥዕና ዓለም የዘኻኽር።

ኣብ ኣፍሪቃ ምልክታት ኮረና ቫይረስ ዝተራእዮም ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 1 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፣ ቡርኪናፎሶ፣ ሚኒስተራት ዝርከብዎም 64 ሰባት ብምምዝጋባ ኣብ ቀዳማት ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0