ብሰንኪ እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተት ኣደ፣ በዓል ቤታን ቦኽሪ ወዳን፣ ገና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ተረጋጊጹ

ብሰንኪ እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተት ኣደ፣ በዓል ቤታን ቦኽሪ ወዳን፣ ገና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ተረጋጊጹ

Radio Erena: 21 August 2017

Ghatelay 2

ብሰንኪ እምነታ ድሕሪ ምእሳራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ መትከል ኣብየት ዝሞተት ፍቓዱ ደበሳይ፣ ኣፈወርቂ ዝተባህለ በዓል ቤታን ቦኽሪ ወዳን’ውን ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ወለዶም ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017ድሕሪ ምእሳሮም፣ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይኣላዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ደቆም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ ብዝበኣሰ ግዳያት ዝኽትምና ኮይኖም ምህላዎም’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ብዘይካ’ቶም ብዘያላዩ ዘኽቲቶም ዘለዉ ሰለስተ ደቆም፣ ቦኽሪ ገዛ፣ ምዕባይ ሓዎም’ውን ምስ ኣቡኡ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ መትከል ኣብየት ተኣሲሩ ከምዘሎ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ሞት እዛ ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣብ መንደፈራ፣ ዓዲዃላን ካልእ ከተማታትን ኣዛራቢ ኮይኑ ምህላዉ ኣገንዚቦም።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ዃላ፣ ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣመንቲ ጴንጠ ቆስጣል ክርስትና ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ምህዳን ዘመተ’ያ ፍቓዱ ደበሳይ፣ በዓል ቤታን ቦኽሪ ወዳን ዝርከቦም ሓያሎ ሰባት ተኣሲሮም።

እዛ ኣደ ኣርባዕተ ውሉዳት ዝኾነት ፍቓዱ፣ ኣብ መንጎ ጋሕተላይን ሽዕብን ኣብ ዝርከብ ኣጻምእ መትከል ኣብዮት ነዚ ዝሓለፈ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ተኣሲራ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሪፋ።
ስነ ስርዓት ቀብራ ብሓሙስ 10 ነሓሰ ኣብ መንደፈራ ከምዝተፈጸመ ኣቐዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተሓቢሩ’ዩ።

ኣማውታ እዛ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዓረፈት ኣማኒት ክርስትና ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ብሰንኪ ሙቐትን ወቕዕን ድሕሪ ዘጓነፋ ሃለፍታን ግቡእ ሕክምና ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ዝሰዓበ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0