ግብጺ፣ ምስ ሶማል ዘለዋ ዝምድናታት ብዝያዳ ንምድልዳል ትሰርሕ

ግብጺ፣ ምስ ሶማል ዘለዋ ዝምድናታት ብዝያዳ ንምድልዳል ትሰርሕ

Radio Erena: 22 August 2017

formajo

ግብጺ፣ ምስ ሶማል ዝጸንሓ ዝምድናታት ብዝያዳ ንምዕባዩ ተወሳኺ ተበግሶታት ክትወስድ ምዃና ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላ ፋርማጆ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደለፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ካይሮ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብሰንበት 20 ነሓሰ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቀባብላ ዝተገብረሉ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ግብጺ ምስ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ክተሓባባራሉን ክተሓጋገዛሉን ዝኽእላ ዓውድታት ተመያይጡ።

 

ክልቲኦም ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን፣ ግብጽን ሶማልን ሒዘንኦ ዘለዋ መርገጺታት ብዝምልከት’ውን ዘትዮም።

ግብጺ፣ ናብ ሞቛድሽ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ንምጅማርን ንሶማላውያን ተማሃሮ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ናይ ምሃብን ዝኣመሰለ መደብ ከምዘለዋን’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት ሶማል ናብ ግብጺ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ምስ ግብጺ ብጉዳይ ናይል ኣብ ከቢድ ምትህልላኽ እትርከብን ጎረቤት ሶማል ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምላሱ’ዩ።

ብጉዳይ ናይል ውሽጣዊ ምስሕሓብ ዘካይዳ ዘለዋ ግብጽን ሱዳንን፣ ዲፕሎማስያዊ ጽልዋታተን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምስራጹ ይሰርሓ ከምዘለዋ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ ዘረድኡ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0