ብሰንኪ ናይል ሓርፊፉ ዝርከብ ዝምድና ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ብንግድ ክሓዊ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ብሰንኪ ናይል ሓርፊፉ ዝርከብ ዝምድና ኢትዮጵያን ግብጽን፣ ብንግድ ክሓዊ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 05 November 2014

Ethi Egy FM

ብሰንኪ ናይል ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ኢትዮጵያን ግብጽን ብንግድ ክበራበር ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ካብ ዝሰሓሓባ ሳልሳይ ዓመትን ሓሊፉ ዘሎ ክልቲኤን ሃገራት፣ ጎኒ ጊኒ’ቲ ዘካይድኦ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ጽዕርታት ንግዲ’ውን ንዝምድንአን ዘመሓይሽ ኣማራጺ ምዃኑ ክሰማምዓ ከምዝኸኣላ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣመልኪቱ።

 

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምርኻብ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፣ ኣብ ንግዲ፣ ጥዕና፣ ትምህርትን ካልእ ጽላታትን ክተሓባበሩ ዘኽእሎም 20 ስምምዓት ከምዝኸተሙ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ግብጺ ከኣ፣ እዚ ስምምዕ እዚ ነቲ ዛሕቲሉ ዝርከብ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ኣንፈት ከምርሖ ዘለወን ተስፋ ገሊጸን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ወግዓዊ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ንረብሓታት ግብጺ ከይጎድኣተ እተካይዶ ናይ ልምዓት መደባት ከምእተኽብር ብምዝኽኻር፣ ክልቲኤን ሃገራት ንዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ቅሩባት ምዃነ ኣገንዚቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ገማግም ናይል እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ግብጺ ካብ ናይል ንእትረኽቦ ረብሓ ብኣሉታ ክጸሉ ‘ዩ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዛጊት ክፍታሕ ዘይክኣለ ምስሕሓብ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0