ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዓሚ ዘይተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብዚ ሰሙን ክካየድ’ዩ

Radio Erena: 22 June 2021

ኤርትራውያን ጎባልል ተቀዳደምቲ ብሽክለታ፣ ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ለቢስካ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ንምስታፍ ኣብ ዝዓለመ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ክጽመዱ’ዮም።

ካብ 25 ክሳብ 27 ሰነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ወይ UCI ተፈላጥነት ዘለዎ’ዩ።

ፈለማ ኣብ 2008 ድሕሪ ምክያዱ፣ ጸኒሑ ከም እንደገና ኣብ 2011 ዳግም ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብስሩዕ ክካየድ ዝጸንሐ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣይተኻየደን።

ኣብ 2019 ሻምፕዮን ብምዃኑ፣ ብባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበት ማልያ ለቢሱ፣ ኣብ ጂሮ ዲ ኢጣልያ እናተወዳደረ እንከሎ ሓደጋ ምውዳቕን መስበርቲ ሓላቕምቲን ዘጋጠሞ ናትናኤል ብርሃነ፣ ነታ ማልያ ንምዕቓብ ኣብዚ ውድድር ክሳተፍ ብዛዕባ ምዃኑ ኣይተፈልጠን።

ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ን3 ዓመታት ሻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ። ናትናኤል ብርሃነ ድማ ክልተ ዓመታት ብምዕዋቱ ካልኣይ ኮይኑ ይስዕቦ።

ሓደ ካብ መሰጥቲ ቅድድማት ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝኾነ፣ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘአንግዶ ውድድራት፣ ብደረጃ ጁንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ከምኡ ድማ ናይ ኤሊት ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ክሳተፍዎ’ዮም።

እዚ ውድድር፣ ንዓውድታት ቅድድም ጽርግያን ውድድር ክሮኖሜትርን ከጠቓልል’ዩ።

ስእሊ፣- ኣርካይቭስ ኢንተርነት
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0