ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኦርታክ ኣብ ኤርትራ ከውፍር ጀሚሩ

ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኦርታክ ኣብ ኤርትራ ከውፍር ጀሚሩ

Radio Erena: January 15, 2014

 

Ortac mini

ኦርታክ ዝተባህለ ናይ ብሪጣንያ ናይ ዕደና ኩባንያ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ዘተኮረ ወፍሪ ከካይድ ተበጊሱ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ፣ ኣንድያንሞ ብዝተባህለ ኩባንያ ኣቐዲሙ ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ተጀሚሩ ዝርከብ ኩዕታን ዳህሳስን ከም ወርቕን ነሓሰን ዝኣመሰላ ማዕድናት ክጽንበሮ’ዩ።

እዞም ክልተ ናይ ዕደና ኩባንያታት ብሓባር፣ ነቲ ካብ ከባቢታት ሃይኮታ ክሳብ ገለ ክፋል ቢሻ ኣብ 252 ትርብዒት ኪሎሜተር ተዘርጊሑ ዝርከብ ዳህሳስን ኩዕታን ከካይዱ’ዮም።

 

እቲ ከባቢ ዘተባብዕ ውጽኢት ተረኺቡ ከምዘሎ’ውን ኣብ ለነድን ዝመደበሩ ኩባንያ ዕደና ኦርታክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ የመልክት።

ብሪጣንያ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዕደና ዘተኮረ ምስጢራዊ ዝርርባት ከተካይድ ብምጽንሓ ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ብወግዒ ክነቕፉ ጸኒሖም’ዮም።

እገዳ ባይቶ ጸጥታ ተነቢርሉ ምስ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ መንግስትን ኩባንያታትን ዕደና ብሪጣንያ ብሕቡና ዘተኮረ ዝርርባት የካይዱ ከምዘለዉ’ውን ብሬድዮ ኤረና ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዝዳህሳስን ኩዕታን ዝተፈላለየ ማዕድናት ዝተዋፈራ 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ከምዘለዋ ይንገር።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0