ፖሊስ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 150 ሰባት ገፊፉ

ፖሊስ እስራኤል፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 150 ሰባት ገፊፉ

Radio Erena: January 15, 2014

 

Isra giffa 2

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ኣብ እስራኤል ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዶም፣ መንግስቲ እስራኤል እንደገና ሓድሽ ግፋ ይቕጽል ኣሎ።

ፖሊስ እስራኤል ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይድዎ ዝቐንዩ ግፋ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፣ ብቕድሚ ትማሊ ንግሆ ብሃንደበት ኣብ ዘካይድዎ ግፋ’ውን ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 150 ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝገፈፉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

እቲ ግፋ ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውቶቡስን መንገዲ ባቡር ሸኾናታቲክቫ ሃሃጋና ዝበሃል ከባቢታትን’ዩ ተኻይዱ።

 

ኣስታት 40 ሽሕ ስደተኛታት ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ብምቕዋም ስራሕ ደው ብምባል ንራብዕቲ ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰልፊ እኳ እንተካየዱ፣ መንግስቲ እስራኤል ግና ኣተሓሕዝኡ መመሊሱ ክብእስ እንተዘይኮይኑ ክመሓየሽ ኣይተራእየን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኤርትራውያን ዝርከብአን ደቂንስትዮን ስደተኛታት ንሎሚ ሮቡዕ ሰፊሕ ሰላምዊ ሰልፊ ንምክያድ ወጢነን ምህላወን ይግለጽ።

ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፣ ክሳብ 22 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ መንግስቲ እስራኤል ንኩነታቶም ዘመሓይሽ መልሲ እንተዘይረኺቦም ካብቲ ዘካየድዎ ዝሓየለ ሰልፊ ንምክያድ ወዲቦም ከምዘለዉ’ውን ኣወሃሃዲት ኮሚተ ኣፍሪቃውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣፍሊጣ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0