ብሪጣንያ ንሓደስቲ ስደተኛታት ብመቆጻጸሪ ጂ.ፒ.ኤስ. ክትከታተል ትምድብ

Radio Erena: 26 June 2022

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ ብልክዕ ኣበይ ከምዘለዉ ዝሕብር ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ብምግባር ክቆጻጸሮም መደብ ኣውጺኡ ምህላዉ፣ ዋሺንግቶን ፖስት ሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ብሪጣንያ ከም ‘መፈተኒ ፕሮጀክት’ ኢሉ ከተግብሮ ምድላዋት ዝገብረሉ ዘሎ ኤለክትሮኒካዊ መቆጻጸሪ፣ ሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ናይ ዑቕባ መሰሎም ክሳብ ዝወሃቦም፣ ኣበይ ከምዘለዉ እንዳተኸታተለ፣ ሃለዋቶም ዝሕብር ጂ.ፒ.ኤስ. ምዃኑ ተገሊጹ።

ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት፣ ነዚ ናይ ብሪጣንያ መደብ ብትሪ ተቓዊሞሞ ኣለዉ። እቲ መደብ፣ ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ከም ገበነኛታት ዝርእይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ውልቃዊ ሓርነት ደቂ ሰብ ዝጥሕስ ሓደገኛ ስጉምቲ’ዩ ብምባል እዮም ተቓውሞታቶም ዘስምዑ።

እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣበይ ኣትዩ-ኣበይ ወጺኡ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቱ ተኸታቲሉ ጸብጻብ ዘመሓላልፍ መቆጻጸሪ መሳርሒ፣ ኣብ ልዕሊ ጥዕና’ቶም ስደተኛታት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝህልዎ፣ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ብኣግኡ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርክበክ ለንደን፣ ናይ ስነ-ገበናት መምህር ሞኒሽ ብሃቲያ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ ጂ.ፒ.ኤስ. መቆጻጸሪ መሳርሒ፣ ኣብ ጥዕና ወዲሰብ ከም ጸቕጢ፣ ቅዛነትን ነፍሰ ቅትለታዊ ኣተሓሳስባን ዘማዕብል ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ዘቤታዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፣ እቲ ናይ ምክትታል መስርሕ ንትሕቲ ዕድመን ናይ ጥዕና ጸገማት ንዘለዎምን ኣይተጠቓልልን እዩ፣ ብምባል ምላሽ እኳ እንተሃበሉ፣ ገለ ካብቶም ናብ ሩዋንዳ ክጥረዙ መደብ ተታሒዙሎም ዘሎ ስደተኛታት ኣብዚ ናይ ምክትታል መደብ ኣትዮም ብምህላዎም፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጸቕጢ ንምፍጣር ዝተማህዘ ሜላ’ዩ ብምባል ተጣበቕቲ መሰላት ይቃወሙ።

እቲ ስደተኛታት ዘለዉዎ ቦታ እንዳተኸታተለ ጸብጻብ ዘሕልፍ መሳርሒ ወይ ጂ.ፒ.ኤስ. ንክንደይ እዋን እዩ ኣብቶም ውልቀሰባት ክጸንሕ፣ ዝተኣከበ ሓበሬታ ከኣ ናብ ካልእ መዓላ ንኸይውዕል ዝከታተል መስርሕ ንምህላዉ፣ መንግስቲ ብሪጣንያ ንጹር መልሲ ኣይሃበሉን።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0