ባንክ ዓለም፣ ናይ 715 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንኢትዮጵያ ክህብ እዩ

Radio Erena: 26 June 2022

ባንክ ዓለም፣ ናይ 715 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንኢትዮጵያ ክህብ እዩ።

ኣብቲ ብዓርቢ 24 ሰነ ኣብ መንጎ ባንክ ዓለምን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ፣ ገለ ክፋል ናይቲ ሓገዝ፣ ረዲኤት ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ገለ ክፋሉ ከኣ ብመልክዕ ለቓሕ እዩ ክወሃብ።

ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብዘውጸኦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ 600 ሚልዮን ዶላር (200 ሚልዮን ካብኡ ረዲኤት) ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ክውዕል መደብ ተታሒዙሉ ምህላዉ ተገሊጹ።

115 ሚልዮን ዶላር ከኣ ዘቤታዊ ጥሪት ኣብ ምምዕባልን፣ ኣብ ምርባሕ ከብትን ጤለ-በጊዕን ክውዕል እዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኲናት ሓድሕድ ምስ ተወለዐ፣ ሓያሎ ለገስቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ምዕራባውያን ሃገራትን፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክህቦኦ ዝጸንሓ ሓገዝ ደው ኣቢለንኦ እየን ጸኒሐን።

ኣመሪካ፣ ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ክትገብሮ ዝጸንሐት ድፍኢት፣ ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ዘተ ሰላም ሃዋሁን፣ ምስዚ ባንክ ዓለም ዝልግሶ ዘሎ ፋይናስያዊ ሓገዝ ምትእስሳር ክህልዎ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምታት፣ ብዲፕሎማሰኛታት ይወሃቦ።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፣ ባንክ ዓለም ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንኢትዮጵያ ምልጋሱ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0