ብሪጣንያ፣ 39 ሰባት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ሞይቶም ተረኺቦም

Radio Erena: 23 October 2019

ካብ ሰሜን ኣየርላንድ ናብ ብሪጣንያን ኣብ ዝሰገረት ናይ ጽዕነት መኪና፣ 39 ሰባት ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እታ መኪና ካብ ቡልጋርያ ከምዝተበገሰት ዝሓበራ እተን ማዕከናት ዜና፣ ብቀዳም 19 ጥቅምቲ ናብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምእታዋ፣ ኣብ ኡንዱስትርያዊ ፓርክ ኢሰክስ ደው ኢላ እንከላ’ዩ ቆልዑዝርከብዎም ሓያሎ ሰባት ተጸፋጺፎም ሞይቶም ዝተረኽቡ።

ወዲ 25 ዓመት መራሒ መኪና፣ ብቅትለት ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።

ጠንቒ ሞት እቶም ስደተኛታት ክኾኑ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ ምዕብዓብ ዘስዓቦ ሕጽረት ትንፋስ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ዜግነት ናይቶም ግዳያት ኣይተገልጸን።

ናብ ብሪጣያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ዝግበር ምስግጋር ስደተኛታት፣ መዝሓሊ ኣብ ዘለወን መካይን ዝሕብኡ ሓያሎ ሰባት በብእዋኑ ክሞቱ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0