ካምፓላ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣረቂ ከከፋፍሉ ጸኒሖም ዝተባህሉ ሰለስተ ኤርትራውያን ተኣሲሮም

Radio Erena: 24 October 2019
ኣብ ኡጋንዳ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣረቂ ከከካፍሉ ጸኒሖም ዝተባህሉ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

“ኣብ ካምፓላ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ባራት ተዘርጊሑ ኣሎ፣” ዝብል ሓበሬታ ከምዝበጽሖም ዝጠቐሰ ኣፈኛ ፖሊስ ካምፓላ ፓትሪክ ኦንያንጎ፣ ኣብ ከባቢታት ካባላጋላ ኣብ ዝረከባ ባራት ሃንደበታዊ ተፍትሽ ከምዘካየዱ ኣፍሊጡ።

ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ፖሊስ ኣብ ሓያሎ ባራት ኣብ ዘካየዶ ተፍትሽ፣ ኣብ ኤርትራ ከምዝተሰርሐ ወረቓቕቲ ዝተለጠፎ ብዙሕ ጠራሙዝ ኣረቂ ከምዝሓዙ ኣረጋጊጹ።

ምስ ምስግጋር እዚ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዩ ዝበሎ ኣልኮላዊ መስተ ብዝተሓሓዝ ከኣ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣመልኪቱ።

ፍርያት ኤርትራ ኣረቂ፣ ናብ ኡጋንዳ ኣትዩ ክሽይጥ፣ ካብ መንግስታዊ ትካል ንግዲ፣ ከምዘድሊ ዘመልከተ ጸብጻብ ፖሊስ፣ እቲ ዝተታሕዘ ግና፣ ፍቓድ ከምዘይጸንሖ ኣገንዚቡ።

ሕጋዊ ኣከፋፋሊ ኣረቂ ኣብ ኡጋንዳ ምዃኑ ዝተጠቕሰ ትካል ኣምጻእን ልኣኽን “ዛላ”፣ ብዛዕባ’ቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ናብ ኡጋንዳ ተሰጋጊሩ፣ ክከፋፈል ዝጸንሐ ኣልኮላዊ መስተ ብዝምልከት ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከቕርብ ምጽንሑ’ውን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0