ብሪጣንያ፣ ዝነጸገቶም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስጓግ መደብ ከምዘለዋ ተቓሊዑ

Radio Erena: 21 January 2022

ብሪጣንያ፣ ንዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ዘይተቐበለቶም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምስጓግ መደብ ከምዘለዋ ዘ ጋርድያን ኣቃሊዑ።

ርዋንዳ፣ ብስም ወለንታዊ ምምላስ ካብ እስራኤል ንዝተሰጎጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትቅበል ጀሚራ ምንባራ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ እቲ መስርሕ ሕጋውነት ዘይብሉን፣ ንሓተቲ ዑቕባ ብማእሰርቲን ካልእን ብምፍርራሕ፣ ከም ወለንታዊ ውሳኔ ኣምሲልካ ዝተገብረ ውዲት ተነቒፉ’ዩ።

መንግስቲ ርዋንዳ፣ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጢ ክበዝሖ ምስ ጀመረ፣ ብወለንትኦም ዝመጽኡ እንተዘይኮይኑ ንዝተሰጎጉ ከምዘይቅበል ብምምልካት፣ እቲ መስርሕ ደው ኢሉ።

ኣስታት 4 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ከምዝተመልሱ ጸብጻባት የመልክቱ።

እንተኾነ መብዛሕቶም፣ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ብምቕጻል፣ ሰሃራን ማእከላይ ባሕሪን ኣቛሪጾም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ክኢሎም።

ርዋንዳ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክሳብ ዝግዕዙ፣ ብግዝያውነት ከም መሰጋገሪ ትቕበሎም ከምዘላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ፣ ዑቕባ ንዝነጸጎም ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምምላሶም ውጥን ከምዘለዎ ዝስማዕ ዘሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0