ብሪጣንያ፣ ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸገም የብሎምን ትብል

ብሪጣንያ፣ ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸገም የብሎምን ትብል

Radio Erena : 08 April 2015

UK home

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፣ ‘ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ዝኾነ ጸገም ኣይክገጥሞምን’ዩ’ ምባሉ ተነቒፉ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ነዚ መደምደምታ ዝበጽሐ፣ ልኡኻቱ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድን ከም ዴንማርክ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ብዛዕባ ኤርትራ ንዘዳለውኦ ጸብጻብ ብምውካስን’ዩ።

ብሪጣንያ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዘማርራ ዘለዋ ሃገራት ኮይና፣ ነቲ ቀንዲ ኣፍደገ ስደት’ዩ እትብሎ ምስ ፈረንሳ ዘዋስና ክፋል ብጽኑዕ ትቆጻጸሮ ከምዘላ ይፍለጥ።

 

መብዛሕቶም ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፣ ካብ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ከምዝሃደሙ ዝገልጹ ምስ ምዃኖም ድማ፣ ብሪጣንያ ካብ ሰራዊት ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸገም ስለዘየለ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዘይትህብ’ያ ትገልጽ ዘላ።

እንተኾነ፣ እታ ሃገር ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ባይታ ዘየለ ሓቂ ተቕርብ ምህላዋ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይነቕፉ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም ናብ ኤምባሲ መንግስቲ ኤርትራን ማሕበረ ኮም ህግደፍን ብምልኽባጥ ክልተ ካብ ሚእቲ እናኸፈሉ ናብ ሃገር ዝመላለሱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ስደተኛ ከምዘይውክሉ’ውን እቶም ተጣበቕቲ የመልክቱ።

መብዛሕቶም እቶም ክልተ ካብ ሚእቲ እናኸፈሉ ናብ ሃገር ዝመላለሱ’ውን ብሜዲካል ቦርድን ካልእ ምኽንያታት ብሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኦም’ዮም ናጻ ናይ ሕክምና ኣገልግሎታትን ካልእ ረብሓታትን ንምርካብ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓቱ።

ብሪጣንያ ነዚ ኣብ ሒደት ኤርትራውያን ዝተራእየ ፍጻሜ ከም ንኹሎም’ቶም ካብ ሰራዊት ዝሃደሙ ዝምልከት’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ምብጻሓ’ውን ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ምሕጽንታ ይቐርብ ኣሎ።

ሃገራት ኤውሮጳ ብሰንኪ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዘማርራሉ ዘለዋ እዋን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ልዕሊ 300 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምብርካት፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ክግታእ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዋ’ውን ኣቐዲሙ ገሊጹ’ዩ።

ዝተፈላለዩ ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ምስ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራን ሰበ ስልጣን መንግስትን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ምዝርራብ ይርከቡ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ’ውን እቶም ተጣበቕቲ የዘኻኽሩ።
===============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0