ብሪጣንያ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ፣ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ትግራይን ክትሰርሕ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 02 July 2021

ብሪጣንያ፣ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኵናት ተፈጢሩ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል፣ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዶላር ከምዝቐረበት ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ቶኽሲ ብእወታ ከምዝቕበሎ ብምጥቃስ፣ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕ ምስ ሰበ ስልጣን ትግራይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ብሓባር ክሰርሕ ከምዝደሊ ኣረጋጊጹ።

ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ከወግዱ ብምጽዋዕ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ክወጽእ ደጊሙ ሓቲቱ።

ኣብ ኢትዮጵያን ትግራይን ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት፣ ኩሎም ወገናት ብዝሳተፍዎ ፖለቲካዊ መስርሕ ጥራይ ከምዝፍታሕ እቲ መንግስቲ ኣብ መወዳእታ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ትግራይ ከቢድ ወትሃደራዊ ስዕረት ከምዝወረዶ ዝግለጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ናይታ ክልል ከምዝሰሓበን በይናዊ ምቑራጽ ቶኽሲ ድማ ከምዝኣወጀን እኳ እንተፍለጠ፣ ነቲ ዘሎ ሓደገኛ ኩነታት ንምፍታሕ ብዛዕባ ዝኽተሎ ፖለቲካዊ ይኹን ወትሃደራዊ መስርሕ ግና ኣየነጸረን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ንሽረን ማይጸብሪን ዘራኽብ ድልድል ተከዘ፣ ብነታጕ ከምዝዓነወ ተገሊጹ።

እቲ ድልድል፣ ሓደ ካብቲ ብሰንኪ ኵናት ዝተመዛበሉ ተወላዶ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ኣገዳሲ መስመር ምንባሩ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣመልኪቱ።

ነቲ ድልድል ምልሻታት ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ብነተጉቲ ከምዘዕነውዎ’ዩ ብወገን ትግራይ ዝጥቐስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ፣ ነቲ ድልድል ሓይልታት ትግራይ ከምዘዕነውዎ ይወቕስ።

ኣብ ትግራይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ዝገልጹ ኣህጉራውያን ትካላት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝቀልጠፈ ኣገልግሎታት መራኸቢታትን ሓገዝ ዝኣትወሉ መስመራትን ክኸፍት ይሓቱ ኣለዉ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0