ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ

Radio Erena: 15 June 2022

ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዘተሓሳሰበት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል፣ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ኣካል ወይ ስፐሻል ራፖርተር፣ ብ13 ሰነ ድሕሪ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ’ዩ።

እቲ ኣካል፣ ኣብ መበል 50 ስሩዕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ 29 ሚይዝያ 2021 ክሳብ 22 ሚያዝያ 2022 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተራእየ፣ ዝጭበጥ ገስጋስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይነበረ ብምትሕስሳብ፣ ብኣንጻሩ ዝበኣሱ ተርእዮታት ምምዝጋቡ ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ፣ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ትግራይን ዝብሉ ኣርእስታት ዝርዝራዊ ነጥብታት ኣቕሪቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ኣካል ክተሓባበር፣ እማመታት ሕቡራት ሃገራት ከተግብርን፣ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ንምርኣይ ተበግሶታት ክወስድን፣ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ዋዕላ፣ ወኪል ብሪጣንያ ምጽውዑ፣ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0