ብሪጣንያን ኣመሪካን ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታተን የጠንቅቓ

ብሪጣንያን ኣመሪካን ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታተን የጠንቅቓ

Radio Erena: 15 June 2017

uk and us

ብሪጣንያ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታት ልዑል ጥንቃቐታት ክገብሩ ብሰሉስ 13 ሰነ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ተማሕጺና።

እታ ሃገር ነዚ መጠንቀቕታ ተቕርብ ዘላ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሃንደበት ኢንተርነት ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ከይስረቕ ብዝብል ምኽንያት፣ ኢንተርነት ንኣስታት 10 መዓልታት ተዓጽዩ ከምዝነበረ ዝሓበረ መግለጺ ብሪጣንያ፣ ብሕጂ’ውን እቲ መንግስቲ ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት፣ ብሃንደበት ኢንተርነት ክዓጹ ስለዝኽእል፣ ናብ ሃገር ዝገሹ ዜጋታቱ ክጥንቀቑ ተላብዩ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታት ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ዘቕረበት ኣመሪካ ብወገና፣ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ ኣብ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ናዕብን ዕግርግርን ክልዓልን ሃንደበት ምእሳር ሰባት ከጋጥም ይኽእልን’ዩ ብዝብል’ያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ዘንበረቶ መጠንቀቕታ ሕጂው’ን ከተናውሖ ወሲና ዘላ።

 

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0