ቀጠር፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ተዋፊሩ ዝነበረ ተዓዛቢ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣብቲ ዶብ ሓድሽ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ይርአ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ቀጠር፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ተዋፊሩ ዝነበረ ተዓዛቢ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣብቲ ዶብ ሓድሽ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ይርአ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 15 June 2017

Djibouti army

ቀጠር፣ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡቲን ተዋፊሩ ዝነበረ ተዓዛቢ ሰራዊት ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣብቲ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ሓድሽ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ይርአ ከምዘሎ ወትሃደራውያን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኤርትራ፣ ንመርገጺ ስዑዲ ዓረብ ብምድጋፍ፣ ምስ ቀጠር ዝነበራ ዝምድና ከምዝበተኸት ብ12 ሰነ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ቀጠር ድማ ከም ግብረ መልሲ፣ ንመስርሕ ሰላምን ዕርቅን ኤርትራን ጅቡቲን ደው ብምባል፣ ኣብቲ ንክልቲኤን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዝነበረ ክፋል ራስ ዱሜራ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣስታት 450 ተዓዘብቲ ወትሃደራታ ከምዝሰሓበት ኣፍሊጣ’ያ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ ቀጠር ዝነበረ ዝምድና ከምዝተበትከ ብምርግጋጽ፣ ቀጠር ነቲ መስርሕ ሰላም ብምቁራጽ፣ ተዓዛቢ ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ’ውን እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ክሰሓሓብ ከምዘይደሊ ገሊጹ።

ሰራዊት ቀጠር ካብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ድሕሪ ምስሓቡ፣ ሰራዊት ጅቡቲ ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈረ ዘረጋገጹ ወትሃደራውያን ምንጭታት ከኣ፣ ኢትዮጵያ’ውን ንጅቡቲ ንምድጋፍ ሰራዊታ ናብቲ ከባቢ ክትልእኽ ምዃና ኣሚቶም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ጅቡቲ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ፣ ንምፍትሑ ዓንቃፊ ተራ ተጻዊቱ ብዝብል ክሲ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2011 እገዳ ከምዘንበረሉ ኣይርሳዕን።

ሓደ ካብቲ ንግጭት ኤርትራን ጅቡቲን ንምፍታሕ ብወገን ኤርትራ ተፈጢሩ ዝተባህለ ዕንቅፋት፣ ሃለዋት ናይቶም ብኤርትራ ተማሪኾም ዝነበሩ ወትሃደራት ጅቡቲ፣ ብመንጎኝነት ቀጠር መዕለቢ ኣብ ዝረኸበሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ ብጉዳይ ጅቡቲ ዝተነብረሉ እገዳ ንኽልዓል ክሓትት ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ከይበጽሐ፣ ቀጠር ከተቛርፆ ምውሳና፣ ኤርትራን ጅቡቲን እንደገና ናብ ግጭት ከየምርሓ ተሰጊኡ ኣሎ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0