ብሩንዲ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊታ ክትስሕብ ትእዘዝ

ብሩንዲ፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊታ ክትስሕብ ትእዘዝ

Radio Erena: 28 December 2018

brundi

ብሩንዲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊታ ክትስሕብ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ትእዛዝ ከምዝተዋህባ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እታ ሃገር ነቶም ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ኣዋፊራቶም ዘላ ኣስታት ሓደ ሽሕ ወትሃደራታ ክሳብ 28 ለካቲት 2019 ክትስሕብ ዝተኣዘዘትሉ ምኽንያት ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ጸጥታ ኣብ ምውሓስ ርእሱ እናኸኣለ ይመጽእ ስለዘሎ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ንምንካዩ ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ይግለጽ።

መንግስቲ ብሩንዲ ምስሓብ ሰራዊት ምስተን ኣብ ሶማል ሰራዊተን ኣዋፊረን ዝርከባ ካልኦት ሃገራት ዝተዛነቐ ክኸውን ኣለዎ ብምባል ነቲ ትእዛዝ ተቓዊምዎ ኣሎ።

ካብ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያ፣ ጅቡቲን ርዋንዳን ዝተዋጽአ ኣስታት 21 ሽሕ ወትሃደራት ዝሓቖፈ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዘይተሓቖፈ ኣሽሓት ሰራዊት ኣብታ ሃገር ከምዘለዋ ይንገር።

ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኤርትራን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብ ገማግም ሶማል ሓይሊ ባሕሪ ምቛምን ምውፋር ሓባራዊ ሰራዊት ዝብል ነጥብታት ከምዝርከቦ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ፣ ብማዕከን ዜና ኢንድያን ኦሽያን ኒውስሌተር ንዝወጸ ሓበሬታ፣ ሚኒስትሪ ዜና ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናይ ኣሉታ ምልሻ ሂቡሉ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0