‘ብምኽንያት ባጀት፣ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ምዕጻው፣ ምኽኑይ ኣይኮነን’ ተጸዋዒ ስደተኛታት

Radio Erena: 23 August 2020

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ሕጻጽ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ’ተን ካልኦት ክልተ መዓስከራት ንምግዕዓዞም ዝተወጠነ መደብ፣ ምስ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ፣ ብምኽንያት ሕጽረት ባጀት ክዓጽዎ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምግላጹ ዝፍለጥ እዩ። እንተኾነ ነቶም ልዕሊ 27 ሽሕ ስደተኛታት ናብተን ድሮ ብጻዕቂ ሰብ ተዋጢረን ዘለዋ መዓስከራት ምጉዕዓዝ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ከኸትል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምዕጻው መዓስከር ሕጻጽ ክዕጸው ምዃኑ ምስተነግረ፣ ድሕሪ ኣዋርሕ እውን እንተኾነ ንትግባረኡ ብዝምልከት ካብቲ መንግስቲ ዝተዋህበ ዝኾነ መግለጺ ብዘይምህላዉ፣ ንሰራሕተኛታት ረዲኤን ኣመሓደርቲ እቲ መዓስከርን ኣብ ጸገም ኣውዲቑዎም ከምዘሎ፣ ካብ ተጸዋዒ ስደተኛታት ለቲሲያ ባድር ገሊጻ።

ኣስታት 30 ሽሕ ጉዳያት ኮቪድ 19 መዝጊባ ኣብ ዘላ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርያ ዝተለኽፈት ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ጓለንስተይቲ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ እያ ተረኺባ።

ኣብ’ዘን ከም ዓዲ ሓሩሽ፣ ማይ ዓይኒን ሕጻጽን ዝኣመሰላ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣስታት 100 ሽሕ ምዃኖም ጸብጻባት ተጸዋዒ ስደተኛታት የመልክቱ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ሕጽረት ባጀት ንመዓስከር ሕጻጽ ክዓጽዎ ምውሳኑ፣ ምኹኑይ ከምዘይኮነ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ይገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝሽፍን ዓመታዊ ባጀት ተጸዋዒ ስደተኛታት 385 ሚልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ 14 ሚእታዊት ካብቲ ንበዓል መዚ ጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ደገፍ ከምዘጉደለ እዩ ዝግለጽ። ምጉዳል’ዚ ዓመታዊ ባጀት፣ ክሳብ 27 ሽሕ ስደተኛታት ዝሕዝ መዓስከር ዘዕጽው ኣይኮነን ይብል ተጸዋዒ ስደተኛታት።
ምዕጻው’ዚ መዓስከር ስደተኛታት፣ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኢሰያስን ዝተወሰነ ምስ ምዃኑ፣ ፋይናንስያዊ ዘይኮነ ካልእ ፖለቲካዊ ድፍኢት ክህልዎ ይኽእል’ዩ ዝብል ትንታነታት ክወሃቦ ጸኒሑ’ዩ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0