ደቡብ ሱዳን፤ ገንዘብ ጽዒና ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ወዲቓ

Radio Erena: 23 August 2020

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ጥረ ገንዘብ ጽዒና ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ወዲቓ ብምሕምሻሻ፣ ሸውዓተ ሰባት ከምዝሞቱ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እታ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ጁባ ተበጊሳ ሒደት ደቓይቕ ድሕሪ ምብራራ ዝወደቐት ነፋሪት፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ናብ እትርከብ ከተማ ካመሩ እያ ተምርሕ ኔራ።

ካብቶም ዝሞቱ፣ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት’ታ ነፋሪት ሩስያውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ሰለስተ ከኣ ደቡብ ሱዳናውያን እዮም። ሓንቲ ደቡብ ሱዳናዊት ተጓዓዚት ከኣ ብዘይዝኾነ ጉድኣት ብህይወት ምውጻኣ፣ ሚኒስተር መጎዓዝያ’ታ ሃገር ማዱት ቢያር የል ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።

እቲ ተጻዒኑ ዝነበረ ጥረ ገንዘብ ኣብ ዞባ ዋኡ ናብ ዝርከብ ኦፖርቹኒቲ ባንክ ዝቐንዐ እዩ ኔሩ።

ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ዛጊት ብወግዒ ኣይተገልጸን። እንተኾነ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ’ዘን ሒደት ዓመታት ጥራይ ሰብን ንብረትን ዝጸዓና ነፈርቲ ብተደጋጋሚ ወዲቐን ከምዝተሓምሸሻ ጸብጻባት ሚኒስትሪ መጎዓዝያ’ታ ሃገር የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0