ብምኽንያት መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዝተፈላለየ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ መግለጺታት ኣውጽኤን

ብምኽንያት መበል 52 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዝተፈላለየ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ መግለጺታት ኣውጽኤን።

 

እተን ውድባት፣ ኣብ መግለጺታትን ሓደ መስከረም 1961 ንውሉድ ወለዶ ዝነበር ታሪኽ ዝሰነደት ዕለት ምዃና ብምዝኽካር፣ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንምድምዳስ ዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ፣ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ብምእላይ ንኹሉ ዜጋ ማዕረ ዕድላት ፖለቲካዊ ሱታፈ ዘረጋግጽ ደሞክራስያዊ ሃዋሁ ንምፍጣር ቃልሱ ከሐይል’ውን ጸዊዑም።

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፣ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢን ካልኦትን ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብ ዘውጽእዎን ዘመሓለለፍዎም ተመሳሳሊ መግለጺታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ለውጢ ዝጠልበሉ እዋን እዚ ግዜ’ዚ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን- ህግደፍ ብወገኑ ብምኽንያት እታ ዕለት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ቅኑዕን ንኤርትራ ከመሓድር ዝኽእልን እንኮ ውድብ ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ብምጥቓስ፣ ህዝባዊ ግንባር ከምቲ ናጽነት ኣብ ምምጻእ ዘመዝገቦ ቅያ ኣብ ምህናጽ ሃገርን ምዅስኳስ ሃገራውያነት’ውን ቅያ ይሰርሕ ከምዘሎን ገና ክሰርሕ ምዃኑን ኣስሚርሉ።

ኣብ ወጻኢ ዝመደበሮም ተቓወምቲ፣ ህግደፍ ዓብላልን ጨቛንን’ዩ ክብሉ ክገልጽዎ እንከለዉ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቝሙ ዘሎ እንኮ ውድብ ህግደፍ ድማ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሃሉ የለውን እናበለ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይኽሕዶም ኣሎ።

ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ወጻኢ ዝመደበሮም ብውሕዱ 10 ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0