ብምኽንያት ልደት ፈረንጂ ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 350 ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ንሓድሕዶም  ብዝፈጠርዎ ባእስን ዕግርግርን ብሓይሊ ፖሊስ ተሰጕጎም

ብምኽንያት ልደት ፈረንጂ ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 350 ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ንሓድሕዶም ብዝፈጠርዎ ባእስን ዕግርግርን ብሓይሊ ፖሊስ ተሰጕጎም

Radio Erena: 29 December 2017

eri in holland

ብምኽንያት ልደት ፈረንጂ፣ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 350 ኤርትራውያን ነበርቲ ሆላንድ ብዝፈጠርዎ ባእስን ዕግርግርን ካብ ዝነበርዎ ኣዳራሽ ብሓይሊ ፖሊስ ከምዝተሰጕ መርበባት ሓበሬታ እታ ሃገር ገሊጸን።

እዚ ኣብ ዛንዳም ዝተባህለ ቦታ ዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግርን ብኣኽብረቲ ጸጥታ ናይቲ ኣዳራሽ ክሃድእ ስለዘይክኣለ ኣካየድቲ ስራሕ ሓገዝ ፖሊስ ከምዝሓተቱ ዝሓበራ እተን መርበባት ሓበሬታ፣ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ 10ታት ፖሊስ ጠያይቲ ክትኩሱ ምዃኖም ብምፍርራሕ ነቶም ኤርትራውያን ከምዝበተንዎም ሓቢረን።

ኣብቲ ብናይ መስተ ጠራሙዝን መናብርን ዝተኻየደ ባእሰን ዕግርግርን ሰራሕተኛታት እቲ ኣዳራሽ ዝርከብዎም ሰባት መጉዳእቲ ከምዝወረዶም ሓደ ኣባል ፖሊስ ሓቢሩ።

 

ብኣኽላባት ዝተሰነዩ ፖሊስ፣ ነቶም ተጎጃጅሎም ዝበኣሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ክበታትንዎም እንከለዉ፣ ንፍሉይ ረዲኤት ናይ ፖሊስ ሄሊኮፕተር ከምዝተዋፈረት ተፈሊጡ።

ፖሊስ ሆላንድ፣ ነቲ ናዕቢ ኣብ ምጉህሃር ወሳኒ ተራ ኔርዎም ንዝበልዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ለይታዊ ትልሂታትን መዘናግዒ ማእከላትን ብጉጅለታት ክበኣሱ ምርኣይ ዝውቱር እናኾነ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

እዚ ዝደጋገም ዘሎ ሕማቕ ተርእዮ’ዚ፣ ንኽብሪ ኤርትራዊ ባህልታት ከይድውንን ዕላማ ስደት ኤርትራውያን ከየደናግርን የስግእ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0