ብምክትል ዳይረክተር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ  ፈጺሙ

ብምክትል ዳይረክተር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 01 December 2017

UNHCR Africa

ብምክትል ዳይረክተር ዞባ ኣፍሪቃ ኣንጀለ ዲኮንግ-ኣታንጋና ዝምራሕ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ።

እታ ዳይረክተር ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓትሉ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ስደት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተዘራሪባ።

ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ስደተኛታት ዘፍርያ ሃገራት ዓለም ተባሂላ ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ’ያ ትስራዕ።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፣ እዚ ጸብጻብ ናይ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ መቐጸልታ ናይቲ ስም ኤርትራ ንምድዋን፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተጎልበበ’ዩ ክብል’ዩ ዝነጽጎ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን እናሰገሩ ዑቕባ ከምዝሓቱ ኣብ ጸብጻቡ ምስፋሩ’ውን ይፍለጥ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራውያን ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝስደዱ ብምርግጋጽ፣ ሃገራት ብዘይ ከቢድ ጸቕጢ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክህብኦም’ዩ ዝላቦ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0