ደቡብ ሱዳን፣ ንወጻእተኛታት፣ ክፍሊት ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ትውስኽ

ደቡብ ሱዳን፣ ንወጻእተኛታት፣ ክፍሊት ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ትውስኽ

Radio Erena: 01 December 2017

south sudan

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ብንግዲ ይኹን ካልእ ሞያ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወጻእተኛታት ንናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ዝኸፍልዎ ክፍሊት ካብዚ ወርሒ’ዚ ኣትሒዙ ክውስኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር፣ ካብ ወርሒ ሕዳር 2017 ኣትሒዙ ሰሊዕዎ ዘሎ ሓድሽ ክፍሊት፣ ኣካየድቲ ስራሕን ወነንቲ ዓበይቲ ትካላትን 4 ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ እንከለዉ፣ ሞያውያን 3 ሽሕ፣ ቴክኒሻናት 2 ሽሕ፣ ክኢላዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሰራሕተኛታት 1 ሽሕ፣ ክኢላዊ ዓቕሚ ዘይብሎም ተራ ሰራሕተኛታት ድማ 500 ዶላር ክኸፍሉ’ዮም።

እዚ ድማ ንኹሎም’ቶም ድሕሪ 22 ጥቅምቲ ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓዶም ዘሐድሱ ወጻእተኛታት ከምዝምልከቶም’ዩ ተሓቢሩ።

ደቡብ ሱዳን ኣቐዲማ ክትዝትየሉ ብዝጸንሐት መደብ፣ እቲ ክፍሊት ዝልዓለ ክፍሊት ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ክበጽሕ ተገምጊሙ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ብዝተኻየደ ክለሳ ግና ናብ 4 ሽሕ ዶላር ኣውሪዳቶ።

እዚ ሓድሽ ክፍሊት ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ግብሪ ካብ ዝወዓለሉ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ፣ ዘይተግበሮ ወጻእተኛ፣ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ከምዘለዎ ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር ኣጠንቂቑ።

ዓመታዊ ክሕደስ ዘለዎ ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ደቡብ ሱዳን፣ ክፍሊቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነሃረ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ኣሽሓት ወጻእተኛታት ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ወፍርን ንግድን ዝነጥፉ ኣማኢት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0