ብሚኒስተር ጥዕና ዝምራሕ ላዕለዋይ ሉእኽ ግብጺ ናብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 10 September 2020

ብሚኒስተር ጥዕና፣ ሓላ ዛይድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምክያዱ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን- ሱና ሓቢሩ።

ዕላማ እቲ ዑደት፣ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋ ዕልቕልቕ፣ ግብጺ ኣብ መዳይ ጥዕና ብዛዕባ ክትገብሮ እትኽእል ሓገዛት ብዝምልከት ንምዝርራብ ምዃኑ ተጠቒሱ።

እታ ሚኒስተር፣ ኣብ ህጹጽ ሕክምናዊ ረዲኤት ዝዋፈሩ ሓያሎ ግብጻውያን ሓካይም ሒዛ ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ ሱዳናዊ መዘንኣ ዝርከቦም ሰበስልጣን መንግስትን ሰበ ሞያ ጥዕናን ሱዳን ድሙቕ ኣቀባብላ ጌሮሙላ።

ግብጺ፣ ኣቐዲማ’ውን ክልተ ነፍረቲ ዝተጻዕነ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሱዳን ልኢኻ’ያ።

እዚ መንግስቲ ግብጺ ናብ ሱዳን ዝልእኮ ዘሎ ሓገዛት፣ ኣብ ሰብኣዊ መዳያት ዘተኮረ እኳ እንተኾነ፣ ብእኡ ኣቢሉ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ምስ ጎረባብቲ ዝጀመሮ ጽዑቕ ንጥፈታት ምዃኑ ይትንተን።

ኣቐዲሙ፣ ብሚኒስተር ሕርሻን ሃብቲ ማይን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ደቡብ ሱዳን በጺሑ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0