ኣብ ግሪኽ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ተቓጺሉ

Radio Erena: 10 September 2020

ኣብ ግሪኽ፣ ደሴት ለስቦስ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሞርያ ድሕሪ ዘጋጠመ ባርዕ፣ ኣሽሓት ስደተኛታት ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ ተገሊጹ።

እቲ 12 ሽሕ ዝግመት ስደተኛታት ኣዕቝቡ ዝጸንሐ መዓስከር፣ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘግሐ ለይቲ ብውሽጥን ብደገን ድሕሪ ዝተራእዮ ባርዕ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተሃሞኸ ሰበ መዚ እቲ ከባቢ ኣረዲኦም።

ጠንቂ ‘ቲ ባርዕ ገና ኣብ ምጽራይ እኳ እንተሎ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ብጻዕቅን ሕማቕ ኩነታትን ተታሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት ባዕላቶም ዝወልዕዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

ብመንገዲ ቱርኪ ኣቢሎም ናብ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ግሪኽ ክሰግሩ ዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ሱዳንን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት፣ ኣብዛ መዓስከር እዚኣን ከምዝኣ ዝኣመሰላ ካልኦትን’ዮም ብግዴታ ክትሓዙ ጸኒሖም።

ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብውሕዱ ሓደ ሶማላዊ ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ድሕሪ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፣ ኣብቲ መዓስከር ብቅልጡፍ ከይላባዕ ተሰጊኡ ምጽንሑ’ውን ጸብጻባት ካብታ ደሴት ኣመልኪቶም።

ድሕሪ’ዚ ባርዕ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት፣ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰሜን ኤውሮጳ ንምስጋር ፈተነ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0