ብመንግኝነት ቀጠር ዝተወደበ ዘተ ሰላም ዳርፉር ኣብ ካርቱም ተኻይዱ

ብመንግኝነት ቀጠር ዝተወደበ ዘተ ሰላም ዳርፉር ኣብ ካርቱም ተኻይዱ

Radio Erena: 10 May 2016

Darf

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር ኣሕመድ ቢን ዓብዱላ ቢን ዛይድ ኣል ማሕሙድ፣ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ዳርፉር ንምዝታይ ሱዳን ኣትዩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቀጠር፣ ብቀዳም 7 ግንቦት ካርቱም ድሕሪ ምእታዉ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዝተዘራረበሉ፣ እቲ ዛጊት መዕለቢ ዘየረኸብ ጉዳይ ዳርፉር ኣብ ዝሓጸረ ነባሪ ፍታሕ ክናደየሉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሱዳን ብወገኑ፣ ቀጠር መስርሕ ሰላም ዳርፉር ንኽዕወት እትገብሮ ንዘላ ጻዕሪ ኣመስጊኑ።

 

ቀጠር ንጉዳይ ዳርፉር ንምሽምጋል፣ ንመንግስቲን ተቓወምቲን ንምቕርራብ ኣብ 2011 ዝተኸተመ ተበግሶ ድሕሪ ምውሳዳ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 11 ግዜ ርክባት ተኻይዱ ኣሎ።

ቀጠር ኣብ ዲፕሎማሲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝልዓለ ተራ እትጻወት ዘላ ሃገር ኮይና፣ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ጅቡቲን፣ ሶማልን ሱዳንን ናይ ዕርቒን መስርሕ ተበግሶታት ዝወሰደት እንኮ ሃገር’ያ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0