ብሕርያ መንግስቲ ዝተሸሙ መበል 4ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዓሪፎም

ብሕርያ መንግስቲ ዝተሸሙ መበል 4ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዓሪፎም

Radio Erena: 21 December 2015

abune di

ብሕርያ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሸሙ መበል 4ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ሎሚ 21 ታሕሳስ ከምዝዓረፉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

80 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ ካብ እምነትን ሕጊን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ብመንግስቲ ተሓርዮም፣ ፓትርያርክ ካብ ዝኾኑላ ዓመት ኣትሒዞም ክሓሙ’ኳ ዝጸንሑ፣ ካብዘን ዝሓለፋ 3 ዓመታት ግና ብሰንኪ ወቕዒ ከፊላዊ ስንክልና ኣጋጢምዎም ብጽኑዕ ስለዝሓመሙ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ሕክምና ክግበረሎም ምጽንሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሕጋዊ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ብሓይሊ ካብ መንበረ ጵጵስንኦም ብምእላይ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምእታዉ፣ ብስም እቶም ኣብ 2007 ባዕሉ ዝሸሞም ኣቡነ ዲዮስቆሮስን ሰዓብቶምን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ክርስትያን ከቢድ ዕንወት ከውርድ ጸኒሑ’ዩ።

ብሰንኪ’ዚ ደረቱ ዝሓለፎ ምትእትታው መንግስቲ ከኣ፣ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ትርከብ።

ድሕሪ ሞት ‘ዞም ብሕርያ መንግስቲ ፓትርያርክ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ እታ ቤተክርስትያን መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣብ ምሻም’ውን ተወሳኪ ምግምማዕ ከጋጥማ ከምዝኽእል ብኣግኡ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ሰዓቢ እታ ቤተክርስትያን፣ እቶም ብዘይሕጋዊ መስርሕን ጸለመ መንግስትን ዝተኣልእዩን ንሓያሎ ዓመታት ከኣ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑን መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ናብ መንፈሳዊ ቦትኦም ክምለሱ ከምዝጠልብ’ዩ ዝንገር።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0