ብሕማም ምኽንያት ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምጋሽ ቪዛ ዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ኣብ ምምሕዳራት መንግስቲ ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ መሰናኽላት የማርሩ

ብሕማም ምኽንያት ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምጋሽ ቪዛ ዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ኣብ ምምሕዳራት መንግስቲ ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ መሰናኽላት የማርሩ

Radio Erena: 01 April 2016

Pass

ብሕማም ምኽንያት ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምጋሽ ቪዛ ዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ኣብ ምምሕዳራት መንግስትን ክፍሊ ኢምግሬሽንን ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ መሰናኽላት የማርሩ።

ሓያሎ ካብዞም ንሕክምና ናብ ኤውሮጳ ዝመጹ ኤርትራውያን ንወከልቲ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብ ኣብ ወጻኢ ብቀሊሉ ክሕከም ዝኽእል ሕማማት፣ ብሰንኪ ኣብ ግዜኡ ሕክምና ዘይምርካብ ናብ ዝተሓላለኸ ሕማም ከምዝማዕበለ’ዮም ዝጠቕሱ።

እቲ ኣውራ ጠንቂ ናይቲ ምድንጓይ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ቪዛ ምድንጓይ ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ናጻ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ብምምንዛዕ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከንይቀሳቐስ ኣሲሩ ሒዚዎ ዝርከብ መንግስቲ፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ’ቶም ቅልጡፍ ናይ ወጻኢ ሕክምናዊ ረድኤት ዘድልዮም ዜጋታት፣ ብህይወቶም ይጻወት ከምዘሎ’ዩ ዝሕሰብ ክብሉ’ውን ስድራቤታት ግዳያት እዚ ናይ ቪዛ ምድንጓይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ምረቶም ገሊጾም።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሓ ሃገራት ፣ ናይ ህዝቢ ናጻ ናይ ምንቕስቓስ መሰል ብምሕላው ፣ ዜጋታታን ኣብ ዝጠለብዎን ኣብ ዝሓጸረን ግዜ ፓስፖርታት ከዳልዋ እንከለዋ መውጽኢ ቪዛ ዝብሃል ከኣ ጠቕሊሉ ከምዝተርፍ ጌረን ይርከባ።

ናጻ ናይ ምንቕስቓስ መሰል ዜጋታተን ብምምንዛዕ፣ ምውናን ፓስፖርትን መውጽኢ ቪዛን ብጽኑዕ ካብ ዝቖጻጸራ ሃገራት ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኩባን ቻይናን ኣብ ቅድሚት ይስርዓ።

ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ ካብቲ ብፓስፖርትን ቪዛን ክወጽእ ዝክእል ህዝቢ ንላዕሊ፣ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ናብ ስደት የምርሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0