ኣህጉራዊ ማዕበር ስደተኛታት፣ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቒሮም ዝጸንሑ 485 ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም መሊሱ

ኣህጉራዊ ማዕበር ስደተኛታት፣ ኣብ የመን ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቒሮም ዝጸንሑ 485 ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም መሊሱ

Radio Erena: 01 April 2016

IOM

ኣህጉራዊ ማዕበር ስደተኛታት (IOM) ኣብ የመን ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቒሮም ዝጸንሑ 485 ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም መሊሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ 19 ክሳብ 29መጋቢት ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 101 ኣላዩ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ 122 ደቂንስትዮን 261 ደቂ ተባዕትዮን ዘጠቓለለ ብዝሒ ኢትዮጵያን ካብ የመን ብመራኽብ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምስግጋሩ፣ ብኣውቶቡሳት ናብ ዓዶም ከምዘፋነዎም ኣፍሊጡ።

ኵናት የመን ካብ ዝጅምር 4222 ኢትዮጵያን ስደተኛታት ናብ ዓዶም ከምዝመለሰ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ እቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ብሰንኪ ስእነት ፊናንስያዊ ምወላ ኣብ መስከረም 2015 ደው ከምዘበሎ ይጠቕስ።

 

እንትኾነ ነቲ ኣብ ኵናት የመን ዝተቐርቐሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ መስርሕ ዳግም ብምጅማር፣ ዛጊት 485 ኢትዮጵያውያን ኣውጺኡ ኣሎ።

ብሕጂ’ውን 727 ኢትዮጵያንውን ብመንገዲ ጅቡቲ ናብ ዓዶም ንምምላስ ኣብ ወደብ ሖዴይዳ ይጽበዩ ምህላዎም ኣነጺሩ።

ኵናት የመን ኣብ 2015 ካብ ዝጅምር ንደሓር ጥራይ ኣስታት 89 ሚእታዊት ካብኣቶም ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝእመን 92 ሽሕ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ኣትዮም።

እንተኾነ እቶም ናብ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ንምስጋር ሓሊኖም ናብ የመን ዝኣተዉ ስደተኛታት፣ ኣብ ኵናት ተቐርቒሮም ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ይርከብ።

ኣምኢት ኤርትራውያን’ውን ኣብዚ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቐርቒሮም፣ ረድኢ ስኢኖም ይርከቡ።

=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0