ብሃገራዊ ቴሌቪዥን መግለጺ እናሃበ እንከሎ፣ ጡፍ ዝበለ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ይንቀፍ

ብሃገራዊ ቴሌቪዥን መግለጺ እናሃበ እንከሎ፣ ጡፍ ዝበለ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ይንቀፍ

Radio Erena: 03 October 2018

President Museveni

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ብምትኳር መግለጺ እናሃበ እንከሎ፣ ጡፍ ብምባሉ፣ ኣብታ ሃገር መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ2 ጥቅምቲ፣ ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ብቀጥታ ዝመሓላለፍ መግለጺ እናሃበ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ ንኣስታት 20 ሰኮንድ ዝኸውን፣ ብመሐበሲ ኣፍንጭኡ ድሕሪ ምጽራግ፣ ካልእ መሐበሲ ብምስሓብ፣ ከይተኸወለ’ዩ ጡፍ ኢሉ።

ካብ 1989 ኣትሒዙ፣ ንኣስታት30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ንህዝቢ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፣ ኣመንጉዩ፣ ከይተኸወለ ጡፍ ምባሉን ይቕሬታ ብዘይምሕታቱን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኡጋንዳ ዘለዎ ንዕቀት ዘንጸባርቕ’ዩ እናተባህለ ይንቀፍ ኣሎ።

ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ንምንዋሕ፣ ቅዋም እታ ሃገር ዝቕይር ዘሎ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ከስግእዎ ንዝኽእሉ ተቓወምቲ፣ ካብ ፖለቲካዊ ምስሊ እታ ሃገር ንምእላዮም ጎነጽ ይጥቐም ከምዘሎ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ሓደ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መለኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ‘ዩ ዝግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0