ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ፈጺምዎ ብዝብሃል ገበናት ዝተኸሰሰ ኩባንያ ኔቭሰን ተጋቢኡ

ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ፈጺምዎ ብዝብሃል ገበናት ዝተኸሰሰ ኩባንያ ኔቭሰን ተጋቢኡ

Radio Erena: 24 January 2019

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ተጋቢኡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሮቡዕ 23 ጥሪ ኣብ ዝወዓሎ መጋብኣያ፣ ኩባንያታት ዕደና ካናዳ፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ፈጺመንኦ ብዛዕባ ዝብሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምትካር መኺሩ።

ጠበቓ ናይቲ፣ ኣብ ኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝብሃል ገበናት፣ ኣብ ኤርትራ’ዩ ክርአ ዝግባእ ንዝብል ምጉት ከምዝደፍኣሉ ንማዕከን ዜና CBC ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መረዳእታ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ ክስታት ውሳኔ እንተሂብሉ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተዋፊረን ንዝርከባ ኩባንያታ ካናዳ’ውን ክጸሉ ከምዝኽእል’ዩ ዘጠንቅቕ።

ወናኒ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን መኽሰብ ምዃኑ ዝንገረሉ፣ ኣብ ቢሻ፣ ዕደና ወርቅን ነሓሰን ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ከም ሰገን ዝኣመሰላ ናይ ህንጻ ትካላት ህግደፍ፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ንዝመጽእዎ ሰራሕተኛታት፣ ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብምውፋሩ’ዩ ብኤርትራውያን ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ።

እቲ ኩባንያ ኣቐዲሙ’ውን፣ ዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ኤርትራ ክርአ እኳ እንተሓተተ፣ እቶም ነቲ ክሲ ዘቕረቡ ኤርትራውያን፣ ካብ ምልካዊ ስርዓት ዝሃደሙ ስደተኛታት ብምዃኖም ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ኤርትራ ብማዕረን ብዘይስግኣትን ጉዳያቶም ክምርምር ዝኽእልን ካብ ምትእትታው ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ናጻ ዝኾነን ቤት ፍርዲን ትካላት ሕጊን ከምዘየሎ ስለዝተኣምነሉ፣ እቲ ክሲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ክርአ ከምዝተወሰነ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0