ሱዳንን ዮርዳኖስን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘትየን

ሱዳንን ዮርዳኖስን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘትየን

Radio Erena: 25 January 2019

ሱዳንን ዮርዳኖስን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከምዝዘተያ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ክልቲኤን ሃገራት ነዚ ዝዘተያ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዮርዳኖስ፣ ጀነራል ማሕሙድ ፍረይሓት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ብሮቡዕ 23 ጥሪ ናብ ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ።

ንላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ዮርዳኖስ፣ ኣብ ካርቱም ዝተቐበለ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል ከማል ዓብደል ማዕሩፍ፣ እቲ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ንዝህሉ ምትሕግጋዝ ዝደፍእ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እቲ ዘተ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ምውዳብ፣ ተሞክሮ ምልውዋጥ፣ ኣንጻር ሽበራ ብሓባር ምቅላስን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዘተኮረ’ዩ።

ሱዳንን ዮርዳኖስን ኣብ ወትሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ሕርሻን ካልእን’ውን ክትሓጋገዛ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0