ቤት ምኽሪ ጽጥታ፣ ኣብ ኵናት ትግራይን ህሉው ኩነታት ኢትይጵያን ዘትዩ

Radio Erena: 07 October 2021

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኵናት ትግራይን ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ዘትዩ።

እቲ ብረቡዕ 6 ጥቅምቲ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ፣ ብመንግስታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ኢስቶንያን ዝተጸውዐ’ዩ።

ኣብቲ ብህጹጽ ዝተጸውዐ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ፣ ብዛዕባ ምዕባለታት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ 11 ወርሑ ኣቝጺሩ ዘሎ ኵናትን ፈጢርዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን መብርሂ ሂቡ።

እቲ ኣኼባ፣ ኣብ ምስጓግ ሸውዓተ ሰበ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ፣ ህሉው ሰብኣዊ ኩነታትን ክውሰዱ ብዛዕባ ዝኽእሉ ስጉምታትን ዘተኮረ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዝፈጸሞ ከበባ፣ ህጹጽ ረዲኤት ዘድልዮ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንዓጸቦ ተቓሊዑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣቐድሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ’ዩ።

ሓያሎ ሃገራት ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ’ውን መንገስቲ ኢትዮጵያ፣ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኵናትን ፖለቲካን ይጥቐመሉ ምህላዉ’የን ዝጠቕሳ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኵናት ትግራይ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ካብ ዝጅምር፣ ምስቲ ዛዕባ’ቲ ብዝተሓሓዝ ዛጊት 10 እዋናት ኣኼባ ኣካይዱ።

እዚ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ’ዩ ተኻይዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ነባራትን ሓደስን ኣባላት ዝሓቖፈ 22 ወናብር ዘለዎ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣቑሙ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣስታት 13% ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንጥሜት ተቓሊዑ ኣብ ዘለወሉ መድረኽ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ ዕለት፣ 10ታት ሚልዮናት ዶላራት ወጻኢ ዝሓተተ ጽንብል ምክያዱ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ብሓያሎ ወገናት ይንቀፍ ኣሎ።

ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ መራሕቲ ሃገራት፣ ሚኒስተራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ናይ ክብሪ ዕዱማትን ዝርከብዎም ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝተዓደምሉ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ክጽንበል እንከሎ፣ ንኽብሪ እቶም ኣጋይሽ’ውን ዘጌጸ ናይ ምሳሕን ድራርን እንግዶት ከምዘኻየደ’ዩ ተገሊጹ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0