ሊብያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 5 ሽሕ ስደተኛታት ተገፊፎም

Radio Erena: 07 October 2021

ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ግፋ፣ ናይ ዝሓዝዎም ብዝሒ ስደተኛታት ልዕሊ 5 ሽሕ በጺሑ።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ፣ ነቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ዝገፍሉን ዝሕዝዎም ዘለዉ ኣገባብን፣ ሰብኣውነትን ርህራሄን ዝጎደሎ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ተቓውምኡ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፣ ብውሕዱ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ፣ 15 ድማ ብኸቢድን ፈኵሲን ቆሲሎም ምህላዎም ሓቢሩ።

ካብቶም ተገፊፎም ኣብ ሕማቕ ቦታ ተዳጕኖም ዘለዉ ኣሽሓት ስደተኛታት እቶም 215 ቆልዑ’ዮም።

ብሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ተታሒዘን ካብ ዘለዋ 540 ደቂንስትዮ ድማ እተን 30 ነፍሰጾራት’የን።

እቶም ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዞም፣ ጋርገርሽ ካብ ዝተባህለ ከባቢ ትሪፖሊ ዝተገፈፉ፣ ሕጋዊ ሰነደ ዘለዎም ዝርከብዎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሻርዕ ኣል ዛውያን ኣል ማባኒን’ዮ ተዳጕኖም ዝርከቡ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምነስት ኢንተርናሽናል፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን ካልኦት መሰል ደቂ ሰብ ዝጣበቓ ትካላትን ነዚ ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸምዎ ዘለዉ ግፍዕታት ኮኒኖም።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0