ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ን23 ግንቦት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ’ዩ

Radio Erena: 22 May 2023

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ጽባሕ ሰሉስ 23 ግንቦት፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ቀንዲ ክዝትየሉ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ኣጀንዳ፣ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ንዘድልዮም ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ሱዳን፣ ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ዝበጽሓሉ መንገድታት ንምንዳይ ዝዓለመ’ዩ።

ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን፣ ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ዝረኽበሉ ዕድል ንምፍጣር፣ ንሸውዓተ መዓልታት ዝጸንሐ ምቑራጽ ቶዅሲ ከካይዱ ከምዝተሰማምዑ እኳ እንተተገልጸ፣ ኣብ ካርቱም ድምጺ ጠያይቲን ከበድቲ ብረትን ግና ኣየዕረፈን።

ዛጊት 250 ሽሕ ሱዳናውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ እንከለዉ፣ ልዕሊ 800 ሽሕ ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ብሰንኪ’ቲ ሓደ ወርሑ ሓሊፉ ዘሎ ግጭት ወትሃደራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ልዕሊ 676 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብር።

ላዕለወይቲ ሓላፊት ትካላት ረዲኤት ኣመሪካ፣ ሳማንታ ፓወር፣ ንሰብኣዊ ኩነታት ሱዳን ብቀረባ ንምክትታል፣ ናብ ቻድ ብምእታው፣ ናብታ ሃገር ተሰዲዶም ምስ ዘለዉ ሱዳናውያን ተዘራሪባ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ውስጢ ሱዳንን ጎረባብቲን ተፈናቒሎም ንዘለውይ ዜግታት ሱዳን፣ ንህጹጽ ሓገዝ ዝውዕል ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ ኣላ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ፣ ሃገራትን መሻርኽቲ ማሕበራትን፣ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ክልግሳ’ዩ ተማሕጺኑ።

ግጭት ሱዳን፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ፖለቲካዊ መፍትሒ እንተዘይረኺቡ፣ ነታ ሃገርን ጎረባብታን፣ ዓመታት ናብ ዝወስድን ዝተሓለለኸን ጸገማት ክሸመን ከምዝኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0