ባ.ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ኣጽዲቑ

ባ.ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 15 July 2018

 unsc on s_sudanባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ኣጽዲቑ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ናይ 13 ሓምለ ውዕሎኡ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ብዓቢኡ ከኣ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዒ ደው ንምባል ነቲ ማዕቀብ ከምዘጽደቖ ገሊጹ።

ካብ 2016 ኣትሒዛ ኣብ ልዕሊ ደቡ ሱዳን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክግበር ክትሓትት ዝጸንሐት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ እቲ ማዕቀብ ኣቐዲሙ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ናይ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ህይወት ምደሓነ ኔሩ ብምባል ነቲ እማመ ኣብ ዘቕረበትሉ እዋን እኹል ደገፍ ዘይምርካባ ከምዘተሓሳሰባ ገሊጻ።

ነቲ ውሳኔ 9 ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፣ ኢትዮጵያ፣ ቻይናን ሩስያን ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ከኣ፣ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ዝዕንቅፍ’ዩ ብምባል ናይ ድምጺ ተዓቅቦ ገይረን።

እዚ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር፣ ክሳብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2019 ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ተኮስትን ተተኮስትን ኣጽዋር፣ ወተሃደራውያን መካይን ከምኡ’ውን መቀያየሪ ኣቑሑት ኣጽዋር ዘጠቓልል እዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0