ባይቶ ፈረንሳ ኣብ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ዘትዩ

ባይቶ ፈረንሳ ኣብ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ዘትዩ

Radio Erena: 18 April 2018

French immigration law

ባይቶ ፈረንሳ፣ ብመንግስቲ ኣብ ዝቐረበ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ዘተዩ።

እቲ ባይቶ ብሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ዓሙቕ ዘተ፣ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዘርቀቖ ሓድሽ ሕጊ፣ ነጥቢ ብነጥቢ ድሕሪ ምዝታይ፣ ናብ ክትዕ ኣውሪድዎ።

ብመሰረት ‘ቲ መንግስቲ ፈረንሳ ኣርቂቕዎ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘቕረቡ ስደተኛታት፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋራሕ መልሲ ክወሃቦም፣ እቶም ዝተንጽጉ ድማ ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ዝብል ነጥቢ ይርከቦ።

ብዘይካ’ዚ፣ ካብ ፈረንሳ ክወጹ ዝተነግሮም ‘ሞ ካብ ዝተፈቕደሎም ግዜ ንላዕሊ ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ስደተኛታት ብፖሊስ ተታሒዚም፣ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ግዝያዊ ቤት ማእሰርቲ ብምጽናሕ ብግዴታ ናብ ዓዶም ክጥረዙ ዝፈቕድ’ዩ።

ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተሓቲቶም፣ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብምግባር ነናብ ዓዶም ከፋንዎም ከምዝኽእል’ውን ኣብቲ ሕጊ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ብፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ቀዳማይ ሚኒስተሩ ኤድዋርድ ፊሊፕን ዝረቐቐ ሓድሽ ሕጊ፣ ብትካላት ግብረ ሰናይን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ብትሪ ይንቐፍ እኳ እንተሎ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ባይቶ ብዘለዎ ዓብላሊ ብዝሒ ኣባላት ብተቓውሞ ክጸድቕ ከምዝክእል ይግለጽ።

ፈረንሳ፣ ብመንገዲ ኢጣልያ ንዝመጹ ስደተኛታት ንምግታእ ዶባታ ብጽኑዕ ዓጽያ ትርከብ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ዓመታዊ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣስታት 15 ሽሕ ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ይረኽቡ።

ብመሰረት እዚ ረቒቑ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ እቲ ብዝሒ ናብ ትሕቲ 10 ሽሕ ንምውራድ’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0