ስዑዲ ዓረብ፣ ሓያሎ ሃገራት ዝተሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተዛዚሙ

ስዑዲ ዓረብ፣ ሓያሎ ሃገራት ዝተሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተዛዚሙ

Radio Erena: 18 April 2018

Gulf Shield

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ክካየድ ዝጸንሐ ሓያሎ ሃገራት ዝተሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዝተዛዘመ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

እቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ብኣጋጣሚ መበል 29 ስሩዕ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝተዛዘመሉ፣ ንጉስ ሳልማንን ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ዓረብን ተረኺቦም።

ኣብቲ “Gulf Shield -1″ ዝተሰምየ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ሱዳን፣ ማሊዥያ፣ ፓኪስታንን ሓያሎ ኣባላት ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቖመ ልፍንቲ ዝርከብአን 24 ሃገራት ዝሓቖፈ ኮይኑ፣ ብነፈርቲ ኵናትን ከቢድ ብረትን ዝተሰነየ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራዊት ተሳቲፉ።

እቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብቲ ዞባ ቅድሚኡ ካብ ዝተኻየዱ ተመሳሰልቲ ልምምዳት ብዓይነቱን ብዝሒ ተሳተፍቱን ናይ ፈለማ’ዩ።

 

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0