ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 29 June 2021

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ትግራይ፣ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ጸዊዐን።

እዘን ሃገራት ነዚ ጻውዒት ዘቕርባ ዘለዋ፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ንከተማ መቐለ ብ28 ሰነ ድሕሪ ምቁጽጻሮም’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ንምዝታይ፣ ንዓርቢ 2 ሓምለ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ትጽቢት ከምዘሎ ዝገልጹ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት፣ ኣብ ህሉው ፖለቲካዊ፣ ጸጥታውን ወትሃደራዊን ኩነታት ትግራይን ኢትዮጵያን፣ ከምኡ ድማ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከተኩር ምዃኑ ኣንፊቶም።

ሚሊሻታት ኣምሓራን ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጹን ናብ ህዝቢ ትግራይ ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ክባጻሕ ክፈቐድን ንዝቐረበሉ ጠለባት ከሰናኽል ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ከቢድ ክሳራታት ድሕሪ ምውራዱ፣ በይናዊ ምቑራጽ ተኸሱ ኣዊጁ ይርከብ።

መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጥሜት ከም መሳርሒ ኵናት ይጥቀምሉ ከምዘለዉ ዝነቕፍ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ፣ ብመንገዲ ባይቶ ጸጥታ ጽኑዕ ውሳኔ ክሓለፍ ክሓትት ምጽንሑ ይፍለጥ።

5 ቀወምቲ 10 ድማ ተለወጥቲ ኣባላት ሃገራት ዘለዎ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብዚ ጉዳይ ብምትኳር ብ15 ሰነ ዕጹው ኣኼባ ከምዘካየድ፡ እንተኾነ ኣብ ውሳኔ ከምዘይበጽሐ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ‘ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ’ ኣብ ዝስመይዎ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝቐጸለ ሓያል ኵናት፣ ንሓያሎ ክፋለተ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድምሳስ፣ ናብ ወሳኒ ወትሃደራዊ መድረኽ ከምዝተሰጋገሩ ክሕብሩ’ዮም ጸኒሖም።

‘ከም ሓሩጭ ተበቲኖም’ዮም ክእከቡ ኣይክእሉን’ዮም’ ክብል ኣቐዲሙ ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ወትሃደራዊ ምዕባለታት ብዝምልከት ዛጊት መግለጺ ኣይሃበን።

ምትሓዝ ከተመ መቐለ፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተዛዚሙ ማለት ከምዘይኮነ ዘረድኡ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ብወገኖም፣ ንትግራይን ንኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝበኣሰ ቅልውላው ከምርሕ ከምዝኽእል የረድኡ።

ሰራዊቱ ብዝተፈላለየ መኣዝን ካብ ትግራይ ዝስሕብ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ በይናዊ ምቁራጽ ተዅሲ እኳ እንተኣወጀ፣ ‘መላእ ትግራይ ሓራ ክሳብ እትኸውን፣ መጥቃዕታቶም ክቕጽል ምዃኑ’ ሓይልታት ትግራይ ብመንገዲ ኣፈኛኦም ኣረጋጊጾም።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0