ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ንምትግባር የጠንቕቕ

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ንምትግባር የጠንቕቕ

Radio Erena: 14 August, 2014

Samanta

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ከምዝገብር ኣጠንቒቑ።

ባይቶ ጸጥታ ነዚ መጠንቐቕታ ዘቕረበ፣ 15 ዝኣባላታ ወከልቲ ናይቲ ባይቶ ብሰሉስ 12 ነሓሰ ኣብ ጁባ ዑደት ድሕሪ ምክይዳ’ዮም’ዩ።

ነቲ ዑደት ዝመርሐት፣ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሳማንታ ፖወር፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንተቐጺሉ፣ እገዳ ዘይተረፍ ምዃኑ ገሊጻ።

 

እዚ መጠንቐቕታ ዝቀረብ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ’ቲ ብፕረዚደንት ሳል ቫኪር ሚያርዲት ዝምራሕ መንግስትን፣ ብሬክ ማሻር ዝምራሕ ተቓዋሚ ሓይሊ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ስምምዕ ንሰላም ከይፈሽል ተሰጊእግሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መወዳታ ዓመተ 2013 ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፣ ዛጊት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ክምዛበሉ እንከለዉ፣ ኣስታት 100 ሽሕ ድማ ኣብ መዓስከራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዓቝቦም ይርከቡ።

============================  

COMMENTS

WORDPRESS: 0