ፍላይኦሎምፒክ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሶማላውያን’ውን ናይ መጓዓዝያ ጸገም ፈጢሩ

ፍላይኦሎምፒክ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሶማላውያን’ውን ናይ መጓዓዝያ ጸገም ፈጢሩ

Radio Erena: 14 August, 2014

fly

ብሰንኪ ክሳራታት ብሃንደበት ደው ዝበለ መንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ፣ ብዘይካ ናብ ኤርትራ ካብን ናብን ሶማል ቲኬት ዘቑረጹ ኣዝዮም ብዙሃት ተጓዓዝቲ የማርሩ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ሲ ኤች፣ ኣቭየሽን ዝተባህለ ኣብ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ዘተኮረ ማዕከን ዜና ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ ካብ ስቶኮልምን ለንደንን ናብ ኣስመራን ሞቛድሾን ሓድሽ መስመር በራራ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ከቢድ ክሳራ’ዩ ኣጋጢምዎ።

 

ንዝተፈላለዩ ኣውፈርቲ ብምውካስ ነቲ መንገዲ ኣየር ንምትስኡ ዝተገብረ ጻዕሪ’ውን ስለዘይተዓወተ፣ ካብን ናብን ኣስመራን ስቶኮልምን ከምኡ ድማ ካብን ናብን ሞቛድሾን ለንደንን ቲኬት ዘቑረጹ ተጓዓዝቲ ነናብ ቦትኦም ከየብጽሐ ደው ክብል ተገዲዱ።

ኣብ ኣስመራ ናብ ስቶኮልም ክምለሱ ዝነበሮም ኣስታት 300 ዝኾኑ ኤርትራውያን መምለሲ ስኢኖም ጉዕዝኦም ብናይ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ግዜ ክሰናከል እንከሎ፣ ኣብ ሞቛድሾ’ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከምዘጋተመ’ዩ ዝግልጸ ዘሎ።

እዚ ምስ መንገዲ ኣየር ግሪኽ፣ ኣቴንስ ኢንተርናሽናል ብምትሕብባር፣ ቦይኒግ 767 ብዝዓይነተን ነፈርቲ፣ ኣብ 20 ሰነ ካብን ናብን ኣስመራን ስቶኮልምን ለንደንን፣ ብተመሳሳሊ ድማ ናብ ሞቛድሾ ናይ መጓዕዝያ በረራታት ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፣ ገዚፍ ክሳራታት ከምዘጋጠሞ ኣብ 29 ሓምለ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ንኣውፈርቲ ዘቕረቦ ናይ ርዱኡኒ ጥርዓን ድማ ዘተባብዕ ውጽኢት ስለዘይረኸበሉ እቐዲሙ ዝሰርዖ በረራታት ብምስራዝ ተቕሊሉ ደው ክብል ተገዲዱ።

ትኬት ኣቑሪጾም ዝነበሩ ኣማኢት ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ካብ ጉዕዝኦም ተሰናኪሎም።

ብሰንኪ ክሳራታት ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ደው ክብል እዚ ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ መንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

ሉፍታንዛ’ውን ናብ ኤርትራ ዘካይዶ ናይ መጓዓዝያን ካርጎን በረራታት መኽሰብ ስለዘይብሉ ደው ከምዘበሎ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ’ውን ብሰንኪ ተደጋጋሚ ክሳራታት ክልተ ግዜ ደው ከምዝበለ ኣይርሳዕን።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0