ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሕ/ ኢ/ ዓረብ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ሶማል ጸዊዑ

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሕ/ ኢ/ ዓረብ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ሶማል ጸዊዑ

Radio Erena: 30 March 2018

somal

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሉኡላውነት ሶማል ትግህስ ብምህላዋ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ሶማል ጸዊዑ።

መንግስቲ ሶማል ነዚ ዝጽውዕ ዘሎ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ብምዃን ንወደብ በርበራ ናይ ምምሕዳሩ ስምምዕ ድሕሪ ምኽታሞም ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ብዘሎ ሓድሽ ወጥሪ’ዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣካል ሶማል ክነሳ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከይተረዳድአት፣ ንወደብ በርበራ ክትውንኖ ምሕላና “ወራር’ዩ” ክብሉ ሰበ ስልጣን ሶማል ይኸሱ።

ኣብቲ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጻውዒት ድማ፣ ብሰንኪ’ዚ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘይሕጋዊ ምትእትታው፣ ርግኣታን ጸጥታኣን ኣብ ሰንኮፍ እትርከብ ሶማል ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ክዓርግ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

እዚ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተበግሶታት፣ ንኣህጉራዊ ሕግታት ብቅሉዕ ዝጥሕስ ብምዃኑ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣቡበከር ዑስማን ኣብ ዝሃቦ መደረ ኣተሓሳሲቡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን እትፍጽሞ ዘላ ወትሃደራውን ቁጠባውን ምስፍሕፋሕ ንሃገራት እቲ ዞባ ብዝበኣሰ የተፋንን ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0