ምርጫ ግብጺ፣ ፕረዚደንት ሲሲ ከምዝተዓወተ ይግለጽ

ምርጫ ግብጺ፣ ፕረዚደንት ሲሲ ከምዝተዓወተ ይግለጽ

Radio Erena: 30 March 2018

sisi

ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ከምዝተዓወተ ይንገር ኣሎ።

ውጽኢት ናይቲ ካብ 26 ክሳብ 28 መጋቢት ዝተኻየደ ምርጫ ብወግዒ እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ዘይወግዓዊ ድምር ናይቲ ዝተወሃበ ድምጺ ከምዝእንፍቶ ዘሎ ግና ፕረዚደንት ሲሲ ተዓዊቱ ኣሎ።

ኣብቲ ድምጹ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ ዜጋ 28 ዶላር ክቕጻዕ ምዃኑ ዝተኣወጀሉ፣ ንዜጋታት ግብጺ ብግዴታ ዘሳተፈ ሃገራዊ ምርጫ፣ 40% ወይ 24 ሚልዮን ካብቲ ከድምጽ ዝግብኦ ህዝቢ ከምዝተሳተፈ ተሓቢሩ።

እንተኾነ እቲ ምርጫ ርትዓዊ ከምዘይነበረ’ዮም ተቓወምቲ ወገናት ዝወቕሱ።

ኣርብዓ ተዓዘብቲ ኣዋፊሩ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ርትዓውነት እቲ ምርጫ ብዝምልከት ድሕሪ ወግዓዊ ምንጋር ውጽኢት ጸብጻቡ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0